ከንቲባ ወደባዊት ከተማ ሚስራታ መንነቶም ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ከም እተቐትለ ካብ ሊብያ ዝተፈነወ ዜና ሓቢሩ። ኣብ ቱርኪ ምብጻሕ ፈጺሙ ናብታ ከተማ ዝተመልሰ መሓመድ እሽጠዊ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ መንበሪ ገዛኡ እናኸደ እንከሎ ብዕጡቓት ከም እተጨውየን ሬሳኡ ኣብ ጥቓ ጎደና ተደርብዩ ከም ዝጸንሐን እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ከንቲባ ምስ ሓዉ ብመኪና እናተጓዕዘ እንከሎ፡ ኣርባዕተ ዕጡቓት ክከታተልዎ ከም እተራእዩ ምንጭታት’ታ ከተማ ሓቢሮም። እቶም ዕጡቓት ተኲሶም ንሓው ናይቲ ከንቲባ ከቚስሉዎ እንከለዉ፡ ነቲ ከንቲባ ግን ጨውዮም ከም ዝወሰዱዎን ኣማስያኡ ከም ዝቐተሉዎን እቲ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ከንቲባ ወደባዊት ከተማ ሚስራታ መሓመድ እሽጠዊ፡ ካብ ገለ ዕጡቓት ወገናት ናይታ ከተማ ተቓውሞታት ክገጥሞ ምጽንሑ’ዩ ዝንገር። ኣብ ሊብያ ዝመደበሩ ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብቕትለት ናይቲ ከንቲባ ዓሚቝ ሓዘን ከም እተሰመዖ ብምግላጽ ነቲ ናይ ቅትለት ተግባራት ኰኒኑዎ።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሊብያ ተግባራት ጭውያን ቅትለትን ብቐጻሊ ዝረአ ክስተት እኳ እንተዀነ፡ ኣብታ ሃገር ሳልሰይቲ ዝዓበየት ከተማ ምዃና እትግለጽ ሚስራታ ብተዛማዲ ዝሓሸ ጸጥታዊ ውሕስነት ከም ዝጸንሓ ይግለጽ። ከተማ ሚስራታ መግብን ካልእ ንግዳዊ ኣቑሑን ብብዝሒ ናብ ሊብያ ዝኣትወላ ካብ ቀረጽ ናጻ ወደብ እያ።



Category:

ዜና

share your comments with us