ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ነበርቲ ቦደንሰ – ጀርመን፡ ንሃገራዊ ማሕበር ብድሆ ኤርትራን ሃገራዊ ማሕበር ኣእምሮኣውን ምዕባለኣውን ስንክልናን፡ 4000 ዩሮ ሓገዝ ኣበርኪቶም። ብ17 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስርዓት፡ ወከልቲ ናይ’ቲ ማሕበር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ጽጉማት ወገናትካ ምሕጋዝ ነዊሕ ሰረት ዘለዎ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሶም፡ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ እተን ማሕበራት ኣባላተን ነብሶም ንክኽእሉን ኣፍረይቲ ክኾኑን ኣብ ዘካይድኦ ንጥፈታት ክውዕል ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣቦ-መንበራት ናይ ክልቲአን ማሕበራት፡ በቶም ግዱሳት ዜጋታት ንዝተለገሰሎም ሓገዝ ድሕሪ ምምስጋን፡ እቲ ሓገዝ ኣብ ምምሕያሽ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማትን ኣገልግሎት ጥዕናን ከውዕልዎ ምዃኖም ሓቢሮም። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዓለም ዝርከቡ፡ ኣብ ትሕቲ “ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም” ዝብል ናይ ‘ፓልቶክ’ ጉጅለ ዝተጠርነፉ ዜጋታት፡ ኣብ ማይ-ሓባር ንእትነብር ንባዕላ ጽግምቲ ክነሳ ንጽጉማት ደቂ-ስንኩላን ተጋደልቲ እትኣሊ ወይዘሮ ኣስካሉ ገብረሚካኤል 11 ሽሕ ዶላር ልኢኾም።



Category:

ዜና

share your comments with us